ወሲባዊ ስጉምትታት ኣብ ልዕሊ ካብ 15 ዓመት ንታሕቲ ዝዕድመኦም ቆልዑ፡ ኩሉ ግዜ ገበን እዩ

ብመሰረት ሕጊ፡ ካብ 15 ዓመት ንታሕቲ ዝዕድመ ቆልዑ፡ ፈጺሞም ብወለንታ ኣብ ወሲባዊ ስጉምቲ ክሳተፉ ኣይክእሉን እዮም። እቲ ካልኣይ ኣካለ መን ሙዃኑ ወይ ድማ እቲ/ታ ቆልዐ ስጋዊ ርክብ ንምግባር ድልየት ምስ ተርኢ ኮነ ትነግር ብዘየገድስ። 

እቲ ካልኣዩ/ያ ኣብ ተቐራራቢ ዕድመ ዘለ/ላ ምስ ዝኸዉን’ሞ ብማዕረ ዝኾነ ወለንታ ንወሲባዊ ርክብ ምስ ዝፍጸም ሓለፋ ኣለዎ። ንኣብነት፡ ዝምድና ጽምዲ ምስ ዝህልዎም። ብናይ ክልቲኦም ወለንታ ዝዉሰድ ወሲባዊ ርክብ ምስ ዘጋጥም እቲ ካልኣይ ካብ 15 ንላዕሊ ምስ ዝኸዉን’ዉን እንተኾነ ብገበን ኣይፍረድን እዩ።

ሓደ ሰብ ምስ ካብ 15 ዓመት ንታሕቲ ዝዕድመኡ/ኣ ሰብ ወሲባዊ ስጉምትታት ምስ ዝወስድ፡ ዓባይ/ዓቢ መሲላትኒ/ሉኒ እንተበለ’ዉን እንተኾነ ብገበን እዩ ዝፍረድ። እቲ ገበን ዝፈጸመ ዕድመ ናይቲ ካልኣይ ሰብ ዘይምርግጋጺ ከም ዘይጥንቁቕ እዩ ዝርአ።

ኣብ መንጎ 15 ክሳብ 17 ዓመት ዝዕድመኦም መንእሰያት

ሓደ ወላዲ ወይ ድማ መጉዚትነት ዘለዎ ካልእ ሰብ፡ ኣብ ልዕሊ ካብ 15 – 17 ዝዕድመኦም መንእሰያት ወሲባዊ ስጉምቲ ምስ ዝፍጽም፡ ከም ወሲባዊ ገበን ኣብ ልዕሊ ቆልዑ እዩ ዝቑጸር። ብመሰረት ሕጊ፡ ሓደ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ዝርከብ ሰብ ፈጺሙ ብወለንታ ወሲባዊ ርክብ ክፍጽም ስለ ዘይክእል። ካብኡ ሓሊፉ ግን ኣብ መንጎ 15 – 17 ዓመት ዕድመ ዘለዉ መንእሰያት ምስ ካልእ ሰብ ወለንታዊ ወሲባዊ ስጉምቲ ክወስዱ ይኽእሉ እዮም።

Välkommen till Brottsoffermyndigheten

Brottsoffermyndighetens övergripande mål är att främja brottsoffers rättigheter samt att uppmärksamma deras behov och intressen.

Jag vill svara på enkäten
Lämna sidan direkt Dölj ditt besök